Dansk | مجاني | English | گفتگو | русский язык | Af-soomaali | سۆرانی | ትግርኛ | українська мова
ኩሉ ስራሓትና ብወለንተኛታት ዝካየድ ኢዩ፣ስለዚ ድማ እዩ ፍልልያት ዝሎ እቲ ንህቦ ኣጽገልግሎት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ሓደ ከይከዉን።
ወለንተኛ ዝበሃል ሓደ ውልቀ ሰብ ንዓካ ዪኩን ንስድራቤትካ ንናይ ዴንማርክ ሂወትካ ዝድግፈካ እዩ። ወለንታኛ ሓጋዛይ ምስ መንግስቲ ኮነ ምምሕዳር ቶቆጺሩ ዝሰርሕ ኣይኮነን፣ ንዓኩም ክሕግዘኩም ዉን ደሞዝ ዝክፈሎ ኣይኮነን።
ሐደ ወለንተኛ ንሓደ ሓዲሽ ናብ ዴንማር ዝመጸ ዪኩን ንንዉሕ ዝበለ ዓመታት ኣብ ዴንማርክ ዝተቀመጠ ክሕጉዙ ይክእሉ እዮም። እዞም ወለንተኛታት ዉን ናይ ምስጢርካ ናይ ምዕቃብ ግዴታ ስለ ዘለዎም ከይ ተሰከፍካ ዉልቃዊ ጉዳያቲካ ምስኣቶም ክትዝቲ ትክእል ኢካ።
ምሳና ዝደጋገፉ ቡዙሓት ወለንተኛታት ኣብ ሙሉእ ዴንማርክ ኣሎዉና፣ ንዝተፈላለየ ዘድሉዪካ ሓገዛት ዝዱጉፉካ። ናብ መሳርሕትና ብምጽሓፍ ኮነ ብምድዋል እንታይ ዓይነት ደገፍ ኣብ ከባቢካ ክትረክብ ከምትክእል ክትፈልጥ ይከኣል እዩ።
እቲ ደገፋት ንኣብነት ሓገዝ ቃንቃ ዳኒሽ፣ ሓገዝ ዕዮ ገዛ ንዓካ ይኩን ንደቅካ። ከም ተወሳኪ ድማ ኣገዳሲ ምክሪን ድገፍን ንስራሕ ምድላይ፣ ሲቪ ምጽሓፍ፣ትምህርቲ ከመይ ትሓትት፣ ምርዳእ ኢ-ቦክስ፣ ሚት-ኢዲ ምዉጻእን ዝኣመሰሉ ካልኦት ተወሰክቲ ሓገዛት።
ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንዓካ ዪኩን ምስ ስድራቤትካ ኮይንካ እትገብሮም ቡሉጻት ንጥፈታት ኣለዉ ንኣብነት ዑደት ናብ ኣገደስቲ ቦታትት፣ ብሓባር ምምጋብን ዝተፈላልዩ ጸወታትትን። ምስ ሓደ ወለንተኛ ድማ ንእግሪ መንገዲካ ብዘይ ቆጸራ ከትዘራረብ ይክኣል እዩ።
ንኣብ ከባቢካ ዝርከቡ ንጥፈታት ንምፍላጥ፣ ነቲ ኣብ ከባቢካ ዝርከቡ ወለንተኛታት ደዊልካ ምሕታት ይክኣል እዩ።
Nordjylland: Ann-Sofie Quist, +45 26 76 64 59, [email protected]
Midtjylland: Cecilie Broundal, +45 60 26 81 26, [email protected]
Syddanmark: Else Tersgov, +45 22 22 81 65, [email protected]
Sjælland og Bornholm: Kristine Bjerre, +45 23 61 99 61, [email protected]
Hovedstaden: Anne Cathrine Lausten, +45 20 42 21 15, [email protected]
ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ቆጸራ ምስ ዝህልወካን ምሳካ ኮዪዱ ዝድግፈካ ምስ ትደሊ፣ ናትና ወለንተኛታት ከካዪዱካ ክድገፉካ ይክእሉ እዮም። እቶም መንገስታዊ ኣካላት ዝበልናዮም ከም ምምሕዳር (kommune); ናይ ስድሬቤት ገዛ (famileretshuset), ወጻእታናታት ክፍሊ (udlændingestyrelsen) ወይድማ ክፍሊ ጥዕና (sundhedsvæsnet)::
ወለንታዊ ደጋፊካ ምሳካ ቅድሚ ቆጸራ ክራከብን፣ ናብቲ ቆጸራ ቦታ ዉን ከካዪደካን ክድግፈካን እዩ። ተራ ናይቲ ወለንታዊ ተሓጋጋዚ ድማ ንዓካ ነቲ ኩነታትካ ብጉቡእ ክትርዳእ ኣብ ምሕጋዝን፣ ኣብቲ ርክብ ዝተባህላ ምስማዕን፣ ሕቶታት ኣብ ምሕታት ድማ ንክሕግዘካን እዩ።
ድሕሪ እቲ ናይ ቆጸራ ርክብ ድማ እቲ ወለንተኛ ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጥም ንምፍላጥ ክሕግዘካ እዩ። ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ደገፍቲ ጉጂለ ንምንባብ/
ምስ ናይ መንግስቲ ኣካላት ዝርርብ እንተድኣ ኣሎካ ዘካዪዱካን ዝዱጉፉካ ንምርካብ
ኣብ ሙሉእ ሃገር በዚ ደውል /ጽሓፍ ፣ ንምድዋል +45 60 26 80 02 ንምጽሓፍ ድማ [email protected]
ኣብዚ ናትና ናይ ወለንታዊ ሓገዛን ንህቦም ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ፍቃድ፣ ናይ ምዉህሃድ መደብ፣ ቁጠባ፣ ናይ ገዛ ጸገማት፣ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ስድራ-ቤት።
ካብ መንግስታዉ ኣካላት ዝመጽኣካ ንዘይተረድኣካ ደብዳቤታትን ዉሳኔታትን ኣብ ምርዳእን፣ ምክርን ንናይ ይግባይ ምባልን ጉዳዪካ ብከመይ ከም ዝርእይዎ ድማ መብርሂ ምሃብ እዩ።
ኩሉ ግዜ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ክትረክበና ይክኣል እዩ። ንሕና ዘይንምልሶ ምስ ዝከዉን ድማ ክሕጉዙካ ዝክእሉ ኣብ ምንዳይ ክንሕግዘካ ኢና።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ወለንታዊ ምክሪ ንምንባብ/
Nordjylland: Anders Pedersen, +45 28 35 19 71, [email protected]
Sjælland: Camilla Michaëlis, +45 52 19 95 42, [email protected]
Syddanmark og Midtjylland: Stine Kehlet Andersen, +45 28 10 00 61, [email protected]
ኣብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ካዝና(Fritidspuljen)፣ ከም ወለዲ ክሳብ 1000 ኮረኖ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ንቆልዑ ካብ 0-17 ዝዕድሚኦም ንናይ ብማሕበርን ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ደገፍ ዝከዉን። እቲ ንጥፈታት ከኣ ንኣብነት ኩዑሶ እግሪ፣ ናይ ስካዉት፣ ስእሊ ቅብኣ፣ ምሕንባስን ሙዚቃ።
ነዚ ሓገዝ ንምርካብ ከኣ ሓደ ካብ ወለዲ ተመሃራይ ወይድማ ስራሕ ኣልቦ ኮዪኖም ናይ ተመይሮ ሓገዝ ዝቅበሉ (SU)፣ ናይ ነብስካ ምክኣልን-ናብ ዓድካ ምምላስ ሓገዝ (selvforsøgelses-og hjemerjseydelse), ናይ ስራሕ ዘይብሎም ዝወሃብ ሓገዝ (dagpenge), ናይ ስራሕ ዘይብሎም ገንዘባዊ ሓገዝን ቅድመ ጡረታን (kontakthjælp eller førtidspension). ከም ተወሳኪ ንበይኖም ብዘይ ኣሰነይቲ ከም ስደተኛ ኮይኖም ዝመጽኡ ቆሉዑ ድማ ንሕግዝ።
ዝኮነ ሕቶ ብዛዕባ ንናይ ትርፊግዜ ማዕከን ንምርካብ ኣብ +45 26 11 06 22 ወይድማ [email protected].
ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጽ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ኣብ ገዛካ ኮዪንካ ክትረክብ ይክኣል እዩ። ንደቅካ ተማይሮ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ይወሃብ እዩ።ንኣብ ኮሌጅ፣ ቃንቃ ትምርህቲ፣ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ዉን ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ክትረክብ ይክኣል እዩ።
ኣባል ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ድሕሪ ምካንካ፣ ናይ ፌስቡክ መልእክቲ ብምጥቃዕ፣ እቲ ዘድሊየካ ሓገዝ ክትጽሕፈ ኣሎካ።
ዝኮነ ሕቶ ንናይ ኦንላይን ዕዮ ገዛ ሓገዝ ምስ ትደሊ፣ ንናይ ተሓታቲት እቲ ፕሮጀክት ሚካኤለ ቶፍት (Michelle Toft) ብቁጽሪ.ቴለ +45 41 28 29 14 ወይ ድማ ብኢሚየል ምጻሓፍ [email protected].
ቃንቃ ዳኒሽ ንክትለማመድ ብኦላይን ምስ ትደሊ?
ኣብ ናንይ ፌስቡክ ገጽ ወለንታዊ ናይ ቃንቃ ኣለማማዲ፣ ንቃንቃ ዳኒሽ ንክትመሓየሽ ክሕግዘካ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ንናይ ኦንላይን ናይ ቃንቃ ሓገዝ ንምርካብ
ብከምዚ ኣገባብ ናይ ቃንቃ ልምምድ ክትገብር ይከኣል
ብከምዚ ኣገባብ ድማ ናብቲ ናትና ናይ ፌስቡክ ጉሩብ ኣባል ክትከዉን
ኣባል ድሕሪ ምካንካ፣ ሓደ ወለንተኛ ንረክበልካ፣ ምሳካ ቃንቃ ዳኒሽ ንክትለማመድን ክሕግዘካን እዩ።
ዝኮነ ሕቶ ንናይ ኦንላይን ቃንቃ ሓገዝ፣ ንናይ ተሓታቲት እቲ ፕሮጀክት ሚካኤለ ቶፍት (Michelle Toft) ብቁጽሪ.ቴለ +45 41 28 29 14 ወይ ድማ ብኢሚየል ምጻሓፍ [email protected]
መልእክቲ ጽሓፈልና እሞ፣ ብዝቀልጠፈ ክንምልሰልካን ክንረክበካን ኢና።